SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

  • 4 minutes 29 seconds
    ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ ረቡዕ 05 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት: ** ኣብ ምዕራባዊ ቪክቶርያ ፡ በርቂ ንዘበገሶ ባርዕ ዱር ንምምካት፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ይርከቡ... ** ፖሊስ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ስዊድን ልዕሊ 10 ሰባት ዝቐተለ ድራኸ ይምርምር ... ** ስትራዲቫሪዩስ ቫዮሊን ኣብ ኒው ዮርክ ብ ኣስታት 18 ሚልዮን ዶላር ክትሽየጥ እያ ...
    5 February 2025, 2:05 am
  • 9 minutes 43 seconds
    ደሞዝ ዝክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ንመንን ብኸመይን'ዩ ዝርከብ፧
    ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደሓደ ወለዲ ካብ መንግስቲን ኣስራሕቶምን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ክፍሊት ኽውሃቦም ይኽእል ። እንተኾነ ንኹሉ ሰብ ዝምልከት መሰል ኣይኮነን ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትሕዝቶ ፤ ንዝወልዱ ወለዲ ዝወሃብ ደሞዝ ዝክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እንታይ ከምዝረኽቡ ፤ ንመን ከምዝፍቀደሎም ፤ ብኸመይ ከምዝሕተት ክርእይ ኢና ።
    5 February 2025, 1:47 am
  • 7 minutes 56 seconds
    ጸባ ገመል ዝደልዩ ኣውስትራሊያውያን እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ፡ ንሓደ ሊትሮ $18 ዶላር ገዚእካ ግን የዋጽእ ዶ፧
    ጸባ ገመል ምስ ጸባ ላም ብዝመሳሰል መገዲ ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃውያንን ማሕበረሰብ ከም መግቢ ኰይኑ የገልግል ኣሎ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ባህላዊ ጸባን ውጽኢት ጸባን ዝወጽእ ኣማራጺታት ፡ እቲ ዝበለጸ ተደላይ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ
    4 February 2025, 8:02 am
  • 10 minutes 26 seconds
    ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ብዛዕባ እቶም ዓበይቲ ሕማማት ማለት ሕማማት ሽኮር፡ ደም ብዝሒ፡ ካንሰርን ካልኦት ሕማማትን።
    ዶክተር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ መልበርን ኣብ ሆፐር ክሮሲንግ ዝርከብ ሰንትራል ክሊኒክ ሓፈሻዊ ሓኪም እዩ። ዓበይቲ ሕማማት ከም ሕማማት ሽኮር፡ ደም ብዝሒ፡ ካንሰርን ካልኦትን ትምህርታዊ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ኣብዚ ትሕዝቶ ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ፧ መንቀሊኡ፧ ኣከናኽናኡን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ሓበሬታን ገሊጹ ኣሎ።
    4 February 2025, 6:17 am
  • 6 minutes 10 seconds
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ለካቲት 2025)
    ንሎሚ 04 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት: ** ሓንቲ ጎርዞ ብሻርክ ተነኺሳ ሞይታ... ** ኣብ ዋሺንግተን ድሕሪ ዝወረደ ግጭት ሂሊኮፕተርን ነፋሪትን መንነት ናይ 55 ምውታት ተለልዩ... ** ኣብ ኡጋንዳ ለበዳ ኢቦላ ተኸሲቱ ናይ ፈተነ ክታበት ይወሃብ ኣሎ።
    4 February 2025, 12:36 am
  • 6 minutes 3 seconds
    MiniPod: Ep4 Talking about visas | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 4ይ ክፋል፡ ዕላል ብዛዕባ ቪዛታት | ምጅማር | English on Repeat (Easy)
    Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I came to work in Australia.| I have a student visa.| What visa do you have? | I want to become a permanent resident. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት እዚኦም'ዮም፣ I came to work in Australia.| I have a student visa.| What visa do you have? | I want to become a permanent resident.
    3 February 2025, 1:00 pm
  • 13 minutes 5 seconds
    ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ለካቲት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ፌደራላዊ ፓርላማ ሰሉስ [4 ለካቲት] ኣብ ዝእከበሉ ፣ ሰልፊ ግሪንስ "ብመትከል" ነቲ ሰልፊ ለበር ዘቕርቦ ሕጊ ናይ ጽል ኢ ዘረባ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ ። ሰራዊት ሱዳን ፡ ኣብ ግዝኣት ኣል ያዚራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸረን ገሊጹ። ቪክቶርያ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ንሰለስተ መዓልታት ብማዕበላዊ ንፋስ ሙቐት ኣብ ትህረመሉ እኹል ዕቑር ጸዓት ከምዘሎ ናይ ኣውስትራሊያ ተቖጻጻሪ ጸዓት ኣረጋጊጹ ።
    3 February 2025, 3:32 am
  • 14 minutes
    ቅነ ቢንያም ግርማይ ኣብ ስፐይን፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ዓወት እጅጋየሁ ታየ ኣብ ራስ ኣልኼማ (ሰሙናዊ መደብ ስፖርት)
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/02/2025) * እጅጋየሁ ታየ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣልኼማ ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ትሮፊዮ ሰስ ሳሊነስ ተሳቲፉ ራብዓይ ወጺኡ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ኣብ ጂሎንግ (ኣውስትራልያ) ተቐዳዲሞም፣ * ሞሮኮ ኣብ ተአንግዶ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2025 ተሳተፍቲ ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ምድባተን ፈሊጠን፣ * ናይ መወዳእታ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሮቡዕ ተኻይዶም ኣብ ኣፈፈት ውድቀት ዝነበራ ማድሪድን ስቲን ወሲኽካ ዝበዝሓ ዓበይቲ ጋንታታት ዓለምና ናብ ዝቕጽል ዙር ምሕላፈን ኣረጋጊጸን፣ * መበል 24 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድን ክሰዓሩ’ንከለዉ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ሕጂ’ውን ስለዝሰዓራ ፍልልየን ብማዕረ ይቕጽል፣
    2 February 2025, 10:17 pm
  • 7 minutes 7 seconds
    ትራምፕ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሐ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወግዒ ተመስሪቱ። ፓርቲ ብልፅግና ይካይዶ ኣብ ዘሎ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ንመራሕቱ ዳግም ንክመርሑዎ መሪፁዎም። ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ገይሩ። ሓይልታት ጸጥታ ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ኣባላት ጉጅለ ዓመጽትን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰላማውያን ሰባትን ከምዝቐተሉ ተገሊጹ። ትራምፕ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ።
    2 February 2025, 9:01 pm
  • 50 minutes 19 seconds
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ጥሪ 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 30 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ዋዕላ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ኣአንጊዳ። ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ኣብ ትግራይ ቅልውላው ኣጋዲዱ። ኣብ 104.4 FM መቐለ ዘጋጠመ ፀገም ብምርድዳእ ከምዝተፈትሐ መምርሒ ፓሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ ኣብዛ ዕለት ነቶም ኣብ ማሕበረሰባት ኣበርክቶ ዝገብሩ ኣፍልጦን ስልማትን ይሃብ እዩ ። ኣብዚ ናይ 2025 ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም መዳል ኦፍ ዘ ኣውስትራሊያ ኦርደር ተሸላሚት ኮይና ኣላ፡ ነዚ ዝምልከት ዕላል ኣካይድና ነይርና፡ ከነቕርቦ ኢና። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ’ውን ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሲድኒ ዝተረኽበ ነታጒ ዝጸዓነት መኪና ፡ ብኣድራሻ ኣይሁዳውያን ሰባትን ትካላትን መዘኻኸሪ ጽሑፍ ምርካቡ ዓቢ መርመራታት ይግበር ኣሎ ። ፈደራል መንግስቲ ብዛዕባ ኦስካር ጀንኪንስ ዋላኳ ብ ኣንጻር ብዛዕባኡ ኣቐድም ኣቢሉ ክወሃብ ዝጸንሐ ጸብጻብ ከምዘይሞተ መረጋገጺ ረኺበ ይብል ። ኣብ ኣውስትራልያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ቱር ዳውን ኣንደር ኤርትራውይን ዝተገብረ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም ነይሮም ነዚ ዝምልከት ኢብራሂም ዘዳለዎ ጸብጻብ ነይሩ፡
    30 January 2025, 3:40 am
  • 7 minutes 1 second
    ብ ኣፍልጦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዋዕላ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ጸብጻብ ልኡኽና።
    ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ ዋዕላ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ ኣአንጊዳ። ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ኣብ ትግራይ ቅልውላው ኣጋዲዱ። ኣብ 104.4 FM መቐለ ዘጋጠመ ፀገም ብምርድዳእ ከምዝተፈትሐ መምርሒ ፓሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝረኣ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቃወምን ዝዅንን ኣምንስቲ ኣፍሊጡ።
    29 January 2025, 9:57 pm
  • More Episodes? Get the App
© MoonFM 2025. All rights reserved.